Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2013/14 ብዝተሰርሐ ግምታዊ ስልሒት ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 617 ሺሕ ሰባት ምስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ይነብሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2013/14 ብመሰረት ዝተሰርሐ ግምታዊ ስልሒት ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 617 ሺሕ ሰባት ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ኣብ ደሞም ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ÷ ኣከባብራ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ቀን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ እዚ ዓመት “ፍትሓዊን ተበፃሒን ኣገልግሎት ፀረ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ዓለም ንመበል 35 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያድማ ንመበል 34 ግዘ ፅባሕ ከምዝኽበር ገሊፀን፡፡

እቲ ቫይረስ ከምዝተኸሰተ ካብ ዝፍለጥ ንደሓር ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 40 ሚሊየን ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን 38 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ምስቲ ቫይረስ ከምዝርከቡን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ 2013/14 ብዝተሰርሐ ግምታዊ ስልሒት ልዕሊ 617 ሺሕ ሰባት ምስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ይነብሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ዝርገሐ ኤችኣይቪ ኤድስ ምንካይ ይከኣል እምበር ሕዚ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ልዑል ምዝንጋዕ ከምዘሎ ዶክተር ሊያ ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.