Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ብኣፅዋር ዝተዓጀበ ተቓውሞ ከይካየድ ተሰጊኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥር፣ 2013 ዓ ም(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ብኣፅዋር ዝተዓጀበ ተቓውሞ ከይካየድ ተሰጊኡ።

ምሩፅ ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መፃኢ ረቡዕ ስልጣኖም ዝርከቡሉ በዓለ ሲመት ክካየድ ኢዩ።

ይኹን እንበር ቅድሚኡ ካብዚ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብኣፅዋር ውግእ ዝተዓጀበ ተቓውሞ ሰልፊ ከይካየድ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ስለዝኾነ ሃገራዊ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ እቲ ዝሓለፈ ከይድደገም ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ኤፍቢኣይ እቲ ንድጋፍ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ዝሕሰብ ዘሎ ሰልፍታት ተቓውሞ ብኣፅዋር ዝተሓገዘ ከይኸውን ስግኣቱ ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ጋንታ ባይደን፥ ትራምፕ ዝኣወጆም ገለ ፖሊሲታት ናብ ንቡር ንምምላስ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ገለ ሚድያታት ከምዝተዓዘብዎ፥ ባይደን እግሩ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝረግፀሎም ሒደት ሰዓታ ከም ፈጻሚ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምሕደራ ዝጻረር ውሳነተታ ከሕልፍ ተባሂሉ እዩ ዝግመት።

ፍልፍል፥ ቢቡሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.