Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ቫይረስ ኮሮና ክጅመር ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ምርመራ ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት፥ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘለዎ ዝርገሐ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ምርመራ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ላይቤሪያ፣ ሴራሊዮን፣ ዛምቢያ፣ ዚምባብዌ፣ ካሜሮን፣ ናይጄሪያን ሞሮኮን ድማ እቲ ምርመራ ዝካየደለን ሃገራት ኢየን ተባሂሉ።

ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ 10 ሚሊየን ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ንምግባር ተሓሲቡ 9 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት ምርመራ ክግበረሎም ከምዝኸኣለ እውን ተገሊፁ።

ሓላፊ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ጆን ኬንካሶንግ፥ ኣፍሪካ ክትባት ንምርካብ ትኸዶ ዘላ መገዲ ምምሕያሽ ከምዝተርኣየሉ ገሊፆም።

ከም ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ እንተኾይኑ፥ ኣብ ኣፍሪካ 1 ሚሊየን 84 ሺሕን 904 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኢዮም።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.