Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ፍልሰታ ፆም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( አኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት ካብ ሎሚ መዓልቲ 1 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ዝፀንሕ ፍልሰታ ፆም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ቀዳማዊ ፓትሪያር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ “ካብ ሓደ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ መፋርቕ እቲ ወርሒ ንዝፅወም ፍልሰታ ፆም እንኳዕ ኣብፀሐኩም” ኢሎም።

እቶም ፓትሪያርክ ከምዝበሉዎ፥ ናይዚ ዓመት ፆም ማርያም ዝፅወም ኢትዮጵያን ህዛባን ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋ ኣብ ዝተኸበበትሉ እዋን ኢዩ።

ኢትዮጵያን ህዝባን ካብቶም ሓደጋታት ንምውፃእ እግዚኣብሄር ምራሕን ንሰሃ ምእታውን ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

እግዚኣብሄር ምፍራሕ ማለት ንሰርሖ ስራሕ፣ ንዛረቦ ቃል፣ ነሓስቦ ሓሳብን ትምኒትን ኩሉ እግዚኣብሄር ይፈልጦ ኢዩ፣ ይሪአና ኢዩ፣ ክፈርደና ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ካብ ክፉእ ተግባር ምቑጣብ ማለት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

“ኢትዮጵያ ናይዚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነትስ ናይ ዝሓለፈን ናይ ዝመፅእን ወለዶ እውን ኢያ” ዝበሉ ፓትሪያርክ ብፁእ ኣቡነ ማትያስ፥ ፀገማት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተዛቲኻ ብምፍታሕ ንመፃኢ ወለዶ ምምሕልላፍ ግቡእ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝበ ክርስቲያን ንፆም ፍልሰታ ድንግል ማርያም ኮቪድ-19 ብምክልኻልን ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ንከሕልፎ እውን ፀዊዖም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርሰርቲያን ኢትዮጵያ ብግደኣ፥ ፆም ፍልሰታ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ብምኽባር ንኽካየድ ኣተሓሳሲባ።

ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፊኤል፥ እንኳዕ ንፆም ፍልሰታ 2012 ዓ.ም ኣብፀሓኩም ብምባል ንተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ምእመኑ መንግስቲን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ለበዳ ሕማም ኮቪድ ንምክልኻል ዘመሓላለፉዎ መምርሒ ብምኽባር ፆምን ፀሎትን ክገብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካቶሊካውያን ምስ ካልኦት እምነት ተኸተልቲ ብምዃን ብሰላም፣ ብምክብባርን ሕድሕዶም ብምፍቓርን ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ዘርኢ፣ ፆታ እንተይገበሩ ብፍፁም ትሕትና ንድኻታት ከገልግሉ ኣገንዚቦም።

ኩሎም ምእመናን ኣብ ዘዘለዉዎ ሃገር ኮይኖም ብዛዕባ ሰላም፣ ሓድነትን ኮቪድ ምውጋድን ንኽፅልዩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.