Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት ሰላምን ይቕረ ይቕረን ዝተገንዘበ ትውልዲ ናይ ምቕራፅ ተግባሮም ከጠናኽሩ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ዐዓስራይ ዓመት ምስረታ በዓል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ “ንሰላም ንሰርሕ፣ ኣብ ሰላም ንነበር፣ ዘረኝነት ንፅየፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ምክእኣል ሃይማኖትን ሓቢርካ ምንባርን ከምዘሎ ገሊፀን።

“እዚ ንሃገርና ይኹን ህዝብና ክብሪ ከምዝኾነ ኣየጠራጥርን” ብምባል፥ ምእመን ካብ ዝኾነ መምህር ወይ ቤተሰብ ንላዕሊ ንኣቦታት ሃይማኖይ የዳምፅ፤ ቃሎም እውን የኽብር” ኢለን።

ሃገርና ልምዓት ትደሊ ኢያ፤ ይቕረ ይቕረ የድሊያ ኢዩ፤ መናእሰይ ህንፀት ስብእና የድልዮም፤ ፍቕሪ ሃገርን ኢትዮጵያዊ ግብረ ገብን የድሊዮም ኢዩ ዝበላ ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ፥ እዚ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ክትምግብዎ ይግባእ ክብላ ገሊፀን።

እዚ ብምግባር ኣቦታት ሃይማኖት ሰላምን ይቕረ ይቕረን ዝተገንዘበ ትውልዲ ናይ ምቕራፅ ተግባሮም ከጠናኽሩ ይግባእ ክብላ ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.