Fana: At a Speed of Life!

ኣታዊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተሰርሐ ሪፎርም ኣታዊኡ ካብ ዝነበሮ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ናብ  4 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ክብ ከምዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ እቲ መገዲ ኣየር ድሕሪ ኮረና 35 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣውሮፕላናት ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።

6 ቢሊየን መንገደኛታት ብሓደ ጊዘ የተኣናግድ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ እዚ ናብ 22 ቢሊየን ከምዝዓበየ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ በዝሒ ተጠቀምቲ ቴሌኮም ካብ 38 ሚሊየን ናብ 65 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓብዩ ኢሎም።

ብከስቢ እንትረአ ድማ  ካብ 33 ቢሊየን ብር ተበጊሱ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ወሰኽ ኣርእዩ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

በግጭት ምክንያት የአገልልሎት ሽፋን የማያገኙ ተቋማት አሉ። ሁሉን አልደረስንም ገና ነን ብዙ ሥራ ይጠበቅብናል። ውጤት መጥቷል ነገር ግን ወደምንፈልግበት ደረጃ ለመድረስ ገና ብዙ ይቀረናል።

ብድምሩ “ውፅኢት መፂኡ ኣሎ ይኹን እንበር ናብ እንደሊዮ ብርኪ ንምብፃሕ ገና ብዙሕ ይተርፎ ኢዩ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.