Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ ትፅቢት ይግበረላ

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም ደቂ ኣነስትዮ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ ክትዕወት ኢያ ዝብል ልዑል ግምት ተዋሂቡዋ።

ጓ 24 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት÷ ኣብ 5 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት 14 ደቒቕ 06 ሴኮንድ፣ ኣብ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቐት 29 ደቒቕን 01 ሴኮንድ፣ ከምኡ እውን ፍርቂ ማራቶን ብ62 ደቒቕን 52 ሴኮንድን ብምእታው፤ ኣብ ሰለስተ ርሕቐታት ወናኒት ክብረ ወሰን ኢያ፡፡

ኣትሌት ለተሰንበት ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ዝሐሸ ሰዓት ዘለዋ እንትትከውን÷ ኣብ ቫሌንሺያ ዝገበረቶም ክልተ ውድድራት ብ63ን 64ን ደቒቕ ዝዛዘመት ብሕታዊት ኣትሌት ኢያ፡፡

ብምዃኑ ሰንበት ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ ክትዕወት ኢያ ዝብል ልዑል ግምት ከምዝተውሃባ መፅሄት ራኒንግ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.