Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ።

እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እዩ።

ጥሩነሽ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2008 ዓ.ም 14 ፡ 11፡ 15 ብምእታው ክብረወሰን ሒዛ ፀኒሓ ነይራ።

ጓል 21 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፥ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ እያ ተወሊዳ ዓብያ።

ዝዓበየትሉ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ወኪላ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2005 ዓ.ም ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰገናት ውድድር 2 ሽሕ ሜትሮ ክትዕወት እንከላ፥ ነዚ ሐዚ ከትሃንፆ ዝኸኣለት ዓቕሚ ኣትሌቲክስ እተዕብየሉ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረላ ይግለፅ።

ድሕሪ እዚ ክልል ትግራይ ወኪላ ኣብ ሻሸመኔ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ2 ሽሕን 3 ሽሕን ሜትሮ ብምስታፍ ብኽልቲኡ ወርቂ ሜዳሊያ ተዓዊታ።

ብ2005 ብውድድር መሰናክል ትግራይ ወኪላ ተወዳዲራ፤ 3ይ ደረጃ ወፂኣ።

ብቐጥታ ካብቲ ወረዳ ተሓርያ ናብ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትራንስ ኣብ 2005 ዓ.ም ዝተፀምበረት ኣትሌት ለተሰንበት፥ ቅድሚኡ ብዙሕ ልምምድ ስለ ዘይነበራ ስፖርታዊ ዓቕማ ብዙሕ ኣይነበረን።

ስለዝኾነ ኣብ ወርሒ መስከረም 2006  ዓ.ም ስሩዕ ስልጠና ኣብ ትራንስ ጀሚራ ኢያ።

ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ፦

  • ብ2015 ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ ብመናእሰይ ብሽዱሽተ ኪሎ ሜትሮ ተወዳዲራ ወርቂ ኣምጺኣ። ኣብ 17 ዓመታ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣትሌት ኮይና
  • 2016 ኣብ ሄንግሎ ብ5ሽሕ ሜትሮ ተቐዳዲማ ብ14፡58፡44 ውድድራ ብምዝዛም ተዓዊታ
  • 2017 ኣብ ካምፓላ ብትሕቲ 20 ውድድር ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ጉያ መሮር ተዓዊታ ወርቂ ኣምፂኣ
  • 2018 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ5ሽሕ ሜትሮ ብምስታፍ ብ14፡30፡29 ብምእታው ተዓዊታ
  • 2019 ብውድድር ጉያ መሮር ብኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፋ። ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮን ሺፕ ኣትሌቲክስ ድማ፡ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ካልአይቲ ወጺኣ
  • ኣብዚ ዓመት ብ5ሽሕ ሜትር፡ ብዳያመንድ ሊግ ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ እያ፡ ሲፈን ሀሰን ትቕድማ
  • ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር ኣባጽሕ ሳልሳይ ሜዳሊስት’ያ
  • ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ 15 ኪሎ ሜትሮ፡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
  • እቲ ቅድድም ንኽትዛዝም 44 ደቂቕን 21 ሰኮንድን ዝወሰደላ እንትኸውን፥ እቲ ክብረወሰን ብኬንያዊት ተቐዳዳሚት ጆይሲሊን ጄፕኮስጌይ እዩ ተታሒዙ ፀኒሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.