Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ትማሊ ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምውፃእ ቅድመ ሐዚ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ኣመሓይሹ።

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ነቲ ርሕቀት ብ29 ደቓይቕን 49 ሰኮንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ።

ብመሰረት እዚ ናይቲ ቦታ 30 ደቒቓን 10 ሰኮንድን ዝነበረ ክብረወሰን ከምዘመሓየሸ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.