Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋዬ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮን ኣብ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ጊዘ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋዬ ኣብ ፈረንሳይ፣ ቫል ዴ ሪዩል ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮን ውሽጢ ገዛ 800 ሜትሮ ተዓዊታ።

እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት 1 ደቒቓን 57 ሴኮንድን 06 ማይክሮ ሴኮንድን ብዝኾነ ፈጣን ናይ ዓለም ሰዓት እያ ተዓዊታ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ጉያ 1500 ሜትሮ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ምዕዋታ ይዝከር።

ኣትሌት ጉዳፍ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2014 ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ዘመዝገበቶ ክብረ ወሰን ብ2 ሰኮንድ ብምምሕያሽ ኢያ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቕ፣ 53 ሰኮንድን 09 ማይክሮ ሰኮንድን ክትዛዛሞ ክኢላ።

ብተመሳሳሊ ኣትሌት ጌትነት ዋለ  ትማሊ ኣብ ፈረንሳይ፣ ቫል ዴ ሪዩል ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮን ውሽጢ ገዛ ጉያ መሰናክል 1500 ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ።

ኣትሌት  ለሜቻ ግርማ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣትሌት ጌትነት ዋለ እቲ ውድድር ብ3:35.54 ኢዩ ዛዚሙዎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.