Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ክብረ ወሰን ዓለም 1500 ሜትሮ ሓዱሽ ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ጉያ 1500 ሜትሮ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊታ።

ኣትሌት ጉዳፍ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2014 ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ዘመዝገበቶ ክብረ ወሰን ብ2 ሰኮንድ ብምምሕያሽ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቕ፣ 53 ሰኮንድን 09 ማይክሮ ሰኮንድን ክትዛዛሞ ክኢላ።

ኣብቲ ውድድር ብ3000 ሜትሮ ዝተወዳደረት ኣትሌት ለምለም ሃይሉ 8፡32,55 ብምእታው እንትትዕወት፥ ኣትሌት ሃብታሙ ኣለሙ ድማ ብ800 ሜትሮ ካልአይቲ ወፂኣ።

ኣብቲ ውድድር ገዛ ብ3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ዝተወዳደሩ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክወፅ ክኢሎም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣትሌት ጌትነት ዋለ 1ይ፣ ሰለሞን ባረጋ 2ይ፣ ለሜቻ ግርማ 3ይ፣ በሪሁ ኣረጋዊ 4ይ፣ ታደሰ ወርቁ 6ይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.