Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ 300 ሺኸሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ካብ ጋንታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ 300 ሺኸሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱላ።

ጋንታ ስፖርት ኢትዮ ኤሌክትሪክ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ስፖርተኛታት መበረታትዒ ሽልማት ኣበርኪቱ።

ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሽልማት፥ ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ስፖርተኛታት ከከምዘመዝገቡዎ ውፅኢት ካብ ሓሙሽተ ሺሕ ክሳብ 300 ሺሕ ብር ዝበፅሕ መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪቱሎም።

ኣትሌት ጋንታ ኢትዮ – ኤሌክትሪክ ዝኾነትን ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ዓለም ኦሪጎን ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ንሃገራ ወርቂ ዘምፀአት ጎቲቶም ገብረ ስላሰ ፍልይቲ ተሸላሚት ብምዃን 300 ሺሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱላ።

እታ ጋንታ ኣብ ዘበነ ውድድር 2014 ዓ.ም ብኣትሌቲክስ፣ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፣ ብብሽክሌታን ጠረጴዛ ቴኒስን ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ስፖርተኛታት ገንዘብን ምስክር ወረቐትን ከምዘበርከተት ካብታ ጋንታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.