Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ሎሚ መዓልቲ ናብ ውድድር ክትምለስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ናብ ውድድር ክትምለስ ኢያ።
ተዓዋቲት ሰለስተ ሜዳሊያ ወርቂ ኦሊምፒክን ሓሙሽተ ሜዳሊያ ኣትሌቲክስ ዓለምን ዝኾነት ኣትሌት ጥሩነሽ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝኾነ ይኹን ውድድር ኣይገበረትን።
ሎሚ ንመበል 22 ግዘ ኣብ ዝካየድ ማራቶን ሂውስተን ካብ ዝሳተፉ ኣትሌታት ጥሩነሽ ዲባባ ትርከቦም።
ኣብቲ ውድድር፥ ንኡሽተይ ሓፍታ ንጥሩነሽ ኣና ዲባባ ሓዊሱ ኣትሌት ሕይወት ገብረኪዳንን ኣትሌት ኣፀደ ባይሳን ክሳተፋ ኢኢየን፡፡
ኣትሌት ሹራ ቂጣታን ኣትሌት ልኡል ገብረስላሴን ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ፍርቂ ማራቶን ከምዝሳተፉ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.