Fana: At a Speed of Life!

ኣካላት ፀፅታ ልኡላውነት ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘኽእል ቁመና ከምዝፈጠሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣካላት ፀፅታ ብፍላይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ልኡላውነት ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘኽእል ቁመና ከምዝፈጠሩ ሎሚ መዓልቲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣፍሊጦም።

ሰላም ንኹሉ ነገር መሰረት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ትካላት ምኽባር ሰላም ዝተወደቡሉ መገዲ ፀገም ስለ ዝነበሮ ድሕሪ ለውጢ እቶም ትካላት ዝተመዓራረይሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ካብ ፖለቲካ ወፃእ ዝኾነ፣ ሃገር ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ብስልጠና ዝማዕበለን ሓደሽቲ ኣፅዋራት ዝተዓጠቐን ንክኸውን ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ቢኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከልን ካሚሻን ዘሎ ጎንፂ ብዙሓት ተዋሳእቲ ዘለውዎ እንተኾነ እውን፥ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ምስ ህዳሰ ግድብ ከምዝተሓሓዝ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ሰፋሕቲ ዓወታት ዝተመዝገብሉ፣ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ዝተማረኽሉን ብዙሓት ዝሃደምሉን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ እቲ ከባቢ ንምፅራይ ዓሊሙ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝተሰርሕሉ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.