Fana: At a Speed of Life!

ኣዘርባጃንን ኣርሜኒያን ናብ ጎንፂ ካብ ዝኣትዋ ንደሓር 2 ሺሕን 300 ወታደራት ኣርሜኒያ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣዘርባጃንን ኣርሜኒያን ናብ ጎንፂ ካብ ዝኣትዋ ንደሓር ክሳብ ሕዚ 2 ሺሕን 300 ወታደራት ኣርሜኒያ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ኣልጀዚራ ንግልጋሎት ዜና ኣናዶሉ ፀሪሑ ከምዝጸብፀቦ እንተኾይኑ፥ ክልቲአን ሃገራት ናብ ርኡይ ኲናት ከምዝኣተዋን ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ግዳይ እቲ ኲናት እናኾኑን ይርከቡ።

ሚኒስቴር ምክልኻል ኣርሜኒያ፥ እቲ ጎንፂ ካብ ዝተልዓለሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 2 ሺሕን 300 ወታደራት ሃገረ ኣርሜኒያ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣዘርባጃንን ኣርሜኒያን ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብምኽንያት ብታሪኽ ዝካትዓሉ ጎቦ ናጎሮኖ ናብ ጎንፂ ምእታወን ይለጥ።

ክልቲአን ሃገራት፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1988 ብምኽንያት እቲ ጎቦ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ኣካይደን 30 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ገቢረን ኢየን።

ሓደ ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።

ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ጎቦ ጎሮሮ ናይ ኣዘርባጃን ከምዝኾነ ኢዩ ዝፈልጥ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት እናተገበሩ እንትኾኑ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ፃዊዒት ኣቕሪቡ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.