Fana: At a Speed of Life!

ኣይስክሪም ዝለሓሰ ውልቀ ሰብ 30 መዓልታት ክእሰር ተፈሪዱዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቴክሳስ ካብ ናይ ዋል-ማርት ሱፐርማርኬት መዝሓሊ (ፍርጅ) ኣይስክሪም ወሲዱ ክልሕሶን መሊሱ ናብቲ መዝሓሊ ከቐምጦን ንነብሱ ብቪድዮ ዝሰኣለ ኣድርያን ኣንደርሰን ዝበሃል መንእሰይ ን30 መዓልቲ ክእሰር ከምዝተፈረዶ ተገሊፁ።

እታ ቪድዮ፥ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብብዝሒ ተዘርጊሓ።

ይኹን እምበር ነታ በሊዑ ናብ ፍርጅ ዝመለሳ ኣይስክሪም ተመሊሱ ከምዝገዝኣ ንሓለዋ ዝተተኽለ ካሜራ የርኢ።

እቲ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዝባኑ ዝፀንሕ ሽድሽተ ወርሒ ማእሰርቲን 100 ሰዓታት መሃያ ዘይብሉ ስራሕ ክሰርሕን ተፈሪድዎ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ መቕፃዕቲ 1 ሺሕ ዶላርን ነቲ ትካል ድማ 1 ሺሕን 565 ዶላር ኣሜሪካ ክኸፍልን ተኣዚዙ’ሎ።

እቲ ፍፃመ ኣብ 26 ነሓሰ ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፥ ኣንደርሰንን ኣብኡን ፀኒሖም ናብቲ ሱፐርማርኬት ተመሊሶም።

ኣንደርሰን ነታ ዝተልሓሰት ኣይስክሪም ከምዝገዝኣ ዘርኢ ቅብሊት ከምዘርኣዩ ማዕኸን ዜና ኤ.ቢ.ሲ ገሊፁ።

ይኹን እምበር እቲ ኣይስክሪም ዘፍርይ ትካል፥ ንጥንቃቐ ነቲ ኣብ ፍርጅ ዝነበረ ኩሉ ከምዝቐየሮን በዚ ድማ ከባቢ 1 ሺሕን 565 ዶላር ወፃኢታት ከምዝገበረን ሓቢሩ።

ኣንደርሰን “ኣብዚ ዓመት ቀሊል ጥፍኣት ፈፂመ” ክብል ኣሚኑ እዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.