Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብብር 100 ሺሕ ዋሕስ ንኽፍትሑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብብር 100 ሺሕ ዋሕስ ንኽፍትሑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ወሲኑ።

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብዝተኸሰሱሉ ኣዋጅ ኣመሓዳድራ መሳርሒታት ኲናት ቁፅሪ 1177/ 2012 ብምትሕልላፍ ዝብል ኢዩ ብዘቕረቡዎ ሕቶ ዋሕስ መርሚሩ ብዋሕስ ንኽፍትሑ ፈቒዱ ዘሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝተኸሰሱሉ ጉዳይ ንምርኣይ ነ20 መስከረም 2013 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡ ተለዋጢ ቆፆሮ ሂቡ ኣሎ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.