Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ክሲ ተመስሪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ኣዋጅ ምምሕዳር መሳርሒ ኲናት 1177/2012 ዓንቀፅ 22 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ብምትሕልላፍ ዘይተፈቐደ መሳርሒ ኲናት ብምሓዝ ገበን  ክሲ ቀሪቡሎም።

እቲ ክሲ ብላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣዳማ ኢዩ ቀሪቡሎም።

ኣይተ ልደቱ ቅድመ ሐዚ 23ን 24ን ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ህውከት ንከጋጥም ብገንዘብ እንትድግፉን እንተተሓባብሩን ነይሮም ብዝብል ምርመራ ይግበረሎም ምንባሩ ምፅብፃብና ይዝከር።

ይኹን እንበር ዓቃቤ ሕጊ “ኣብቲ ምርመራ ፍቓድ ዘይብሎም መሳርሒ ኲናት ረኺበሎም ኢየ” ብምባል ኢዩ ክሲ ገበን ምሓዝ  ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ኣቕሪቡሎም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.