Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ግቡእ ብዝኾነ መገዲ እናተኣናገዱ ምዃኖም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ግቡእ ብዝኾነ መገዲ እናተኣናገዱ ምዃኖም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለን ላዕለዎት ሰብ ሞያታት እቲ ኮሚሽንን፥ ምስ ኩነታት ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ዝተኣሰሩ ተጠርጠርቲ ኣተሓሕዘኦም ንምዕዛብ ኣብ ቢሮ ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተረኺቦም ክትል ገይሮም፡፡

ኣብቲ ዑደት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተፈጠረ ኩነታት ተተሓሒዙ ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ እኒ ዶክተር ኣብራሃም ተኸስተ፣ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ፣ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ኣምባሳደር ኣባዲ ዘሞ፣ ኣይ ቴዎድሮስ ሓጎስ፣ ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ፣ ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ፣ ሜ/ጀኔራል ይርዳው ገብረ መድኅን፣ ሜ/ጀኔራል ገብረመድህን ፍቓዱ፣ ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ ወ/ሮ ሙሉ ገብረ እግዚአብሔር፣ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ ሓዊሱ ብሓፈሻ 21 እሱራት ዝርከቡሉ ኩነታት ማእሰርቲ ብምዕዛብ ንእሱራት እውን ኣዘራሪቦምዎም።

ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ እውን ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ ዑደት ድማ እሱራት ኣብ ፅቡቕ ኣካላዊ ድሕንነት ከምዝርከቡ፣ ዝርከቡሉ ከባቢን ክፍሊታትን ጥሩይን ብዙሕ ዘይተጨናነቐን፣ ተፈጥሮኣዊን ናይ ኤሌክትሪክን ብርሃን ዘለዎም ከምዝኾኑን ሓፈሻዊ ኩነታቱ ዘለዎ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ተዓዚቡ፡፡

እቶም ዝተፀርሑ እሱራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ ፌዴራል ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዘየለን ፖላዊስ ብግቡእ ስነ-ምግባር ሞያ ዝሰርሑ ምዃኖምን ገሊፆም፡፡

ግልጋሎት ሕክምና ብዘለዎ ዓቕሚ እናረኸቡ ከምዝኾነ፣ ምስ ስድረኦም ተራኺቦም ቀረብ ከምዝቕበሉን ምስ ጠበቓታቶም ምርኻብ ከምዝኸኣሉን ኣብሪሆም፡፡

ዝተወሰኑ እሱራት ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ምስተተሓዙ ኣብ ክል ትግራይ ካብ ዝተሓዙ ኣትሒዞም ብሰብኣዊ ክንክን ከምዝተተሓዙን ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃንደበታዊ ሓደጋን መጥቃዕቲን ከምዝተኸላኸሉሎም ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ምስተተሓዙ ናብ ቤት ፍርዲ እንተይቀረቡ ንነዊሕ እዋን ምፅሖም፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዝተትሓዙሉ እዋን ድብደባ፣ ፀርፊ፣ ምፍርራሕን ተኹሲን ከምዝነበረን መቑሰልቲ ከምዝበፅሖም፤ ተታሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትመፅኡ እውን ናፃ ኮይኖም ናይ ምግማት መሰሎም ብዝዳፋእ መልክዑ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ተሰሪዖም ክቐርቡን ናይ ምንእኣስ ኩነታት ከምዝነበረን ዝገለፁ እሱራት ከምዘለዉ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ዝተጠርጠሩሉ ጉዳይ ብተናፀል ዘይቕራቡን ከይዲ ምርመረኦም ብቕልጡፍ ዘይምርኣዩ ብምግላፅ ስምዕታ ኣቕሪቦም።

እሱራት ምስ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ተተሓሒዙ ምስ ጠበቓታቶም ዝራኸቡሉ ግዘ ከምዝሓፅር ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዝተወሰኑ እሴራት ናይ ባዕሎምን ስድረኦምን ሒሳብ ባንኪ ስለዝተኣገደ ስድረኦም ከምዝተፀገሙ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮሚሽን እሱራት ዝርከቡሉ ኩነታት ኣተሓሕዛ ግቡእ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ፥ ብእሱራት ዝተለዓሉ ምምሕዳራዊ ተንከፍ ሕቶታት ምስ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ውፅኢታዊ ዘተ ገይሮም፡፡

ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፥ እቲ ምርመራ ገበን ብዝተኸኣለ ቅልጣፈ ምዝዛምን ኣግባብ ሕጊ ብዝፈቕዶ መልክዑ ብዋሕስ ክልቀቑ ዝግበኦም እሱራት ምፍላይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.