Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ከተማ ሮቤ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ከተማ ሮቤ ተሃኒፆም ዝተዛዘሙ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት መሪቖም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ዋና ፀሓፊ ዓለም ለኸ ትካል ቀይሕ ወርሒ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረሬታት ኣብዱራህማን ቢን ሱልጣንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ብምዃን ኢዮም፥ ብመንግስቲ ህዝቢን መሓዙት ኣካላትን ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ልምዓት ብሓባር ብምራቕ ስራሕ ኣጀሚሮም።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ ፕሮጀክታት፥ ኣብ ከተማ ሮቤ ብ41 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጀነራል ዋቆ ጉቱ ይርከቦ፡፡

ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ዘሎ ፕሮጀክት ልምዓት፥ ብ40 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ሆስፒታል ኣደታትን ህፃናትን ሓደ ኢዩ።

እቲ ሆስፒታል፥ ካብ ህንፀት ብተወሳኺ ብሓገዝ ዓለም ለኸ ትካል ቀይሕ ወርሒ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረሬታት ሙሉእ ዘበናዊ መሳርሒ ሕክምና ተማሊኡሉ።

በበላይ ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.