Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ከተማ ኣሶሳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣሶሳ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ኣሶሳ መዕርፎ ነፈርቲ ህዳሴ እንትበፅሕ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ክልልን ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝሳተፍን ኣብ ምርቓት ሚዲያ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምዝዕደምን ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.