Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ምሻሞም ተገሊፁ።

ኣይተ ኣሸብር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ነበር ኢንስቲቲዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኣርባ ምንጭ ብሜካኒካል ምህንድስና ናይ መጀመርታ ዲግሪ ዝተቐበሉ እንትኾኑ፥ ካብ ዩኒቨርሲቲ ግሪንዊች ብሪታንያ ድማ ብዓለም ለኸ ቢዝነስ ማስተርስ ዲግሪ ክኸቡ ክኢሎም ኢዮም።

ብምህነንድስና ምስ ተመረቑ ድማ ኣብ ፋብሪካ ቢራ በደሌ ጀማሪ ሜካኒካል ኢንጂነር ተመዲቦም ኣገልጊሎም።

ብ1996 ዓ.ም ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተቖፂሮም፥ ኣብ ፕሮጀክት መተሓላለፊ መስመር ጊምቢ – መንዲ – ኣሶሳ ሰሪሖም ኢዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ካብ ጥሪ 1997 ዓ.ም ጀሚሮም ንሽዱሽተ ዓመታት መራሒ መካኒካል ኢንጂነር ኮይኖም ስራሕቲ ኤሌክትሮ ሜካኒካል ብምቁፅፃር ነቲ ትካል ከገልግሉ ክኢሎም።

ካብ ጉንበት 2003 ዓ.ም ጀሚሮም መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ማይ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገባ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይተ ኣሸብር፥ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም እዚ ሓላፍነት ክስባ ዝተውሃቦም ዕለት ድማ ፈፃሚ ስራሕ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊታት ከገልግሉ ፀኒሖም ኢዮም።

ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ካብ 9 ለካቲት 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንኽመርሑ ብኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ እቲ ትካል ምሻሞም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.