Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ማርክ ጋርኑ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃደ ኢዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዱ  ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እዝታዮም ኣዘኻኺሮም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዞ እዋናዊ ፖለቲካዊን ሰብዓዊን ኩነታት  እንትዛተዩ ከምዝበልዎ፥ ሃገሮም ናብቲ ክልል ፍሰት ሰብኣዊ ደገፍ ቅልጣፍኡ ንክመሓየሽ ትፅቢት ትገብር ኢያ።

ኣይተ ደመቀ ብግደኦም፥ መንግስቲ ፌዴራል በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ንምእዋጅ ምውሳኑ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ስግኣት ንምቕራፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህወሓት እቲ ዕድል ብምብኻኑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ መተሓለላለፍቲ መገዲታት ምዕፃዉን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሓዱሽ መጥቃዕቲ ምፍፃሙን ተዛሪቦም።

ስለ ዝኾነ ካናዳ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቲ ጉጅለ ነቲ ስምምዕነት ንከኽብር፣ ሰብኣዊ ደገፍ ምትዕንቓፉ ደው ንከብል ፅዕንቶ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ጉጅለ ሓዱሽ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ክልላት ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ከምዝተፈናቐሉ ን ንምሕበረሰብ ዓለም አተሓሳሳቢ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.