Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዳያስፖራ ጉዳይን ኬንያ ኣልፍሬድ ሙቱዋ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትራት ጎድና ጎድኒ ኣብ ካቱም እናተኻየደ ዝርከብ ኣኼባ ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ÷ ክልተኣዊን በዓል ብዚሕ ወገን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኬንያ ከይዲ ሰላም ንኽዕወት ከም ሃገር ነበር ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣቢላ ንዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ውዕሊ ሰላም ተፈፃሚ ንኽኸውን መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ዶክተር ኣልፍሬድ ብግደኦም÷ ኬንያ ንምሕዝነት ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ከምትህበሉ ኣብቲ ከይዲ ሰላም ዝነበራ ግደ መርአዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ብፍላይ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝሐሸ ምትሕብባር ክፈጥራ ከምዝኽእላ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የረድእ፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.