Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ማውሪን ኣቼንጌ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ፥ ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ዓሊማ ኢትዮጵያ እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ብዝምልከትን ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት ድልየት ኣብ ምቕራፍ ተላዚቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ  ንስደት መበገሲ ዝኾኑ ምኽንያታት ንምቅራፍ  ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ነቶም ተወካሊ ኣብሪሀሙሎም።

መሰልን ግዴታን ተመዛበልቲ ንምሕላው ዓሊም ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላትን መዳርግቲ ኣካላትን ዝግበር ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እተን ተወካሊት ብግደአን፥  ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት ድልየት ኣብ ምቕራፍን ኮቪድ 19ን
ብዝምልከት ኣብ ምክልኻል ምስ መንግስቲ ሓቢረን ከምዝሰርሓ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.