Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓን ተወከልቲ እተን ሃገራትን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓን ተወከልቲ እተን ሃገራትን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኢዮም ምስቶም ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓን ተወከልቲ እተን ሃገራትን ዝተዛተዩ፡፡

እቶም ሚኒስትር መንግስቲን ትካላት ተራድኦን ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዱዎ ብዛዕባ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

መንግስቲ ኣፋውስ ሓዊሱ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑ ሓገዛትን ኣብ ዝተፈለዩ 92 መከፋፈሊ ጣቢያታት ምብፅሑ እውን ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል እናቐረበ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት መንግስቲ፣ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ትካላት ርዳእታን ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ዳግመ ህንፀት ብተወሳኺ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ መብራህቲን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ናብ ስራሕ እናኣተዉ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ክልል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጋጢሞም ተባሂሉ ንዝተግለፀ ብዝምልከቶም ኣካላት ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተኻየደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝተጀመረ ናይ ምፅራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ፀገም ዝፈጠሩ ኣካላት ተፈሊዮም ተሓተትቲ ንምግባር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘተኦም፥ ካብ ክልል ትግራይ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ተካይዶ ሃገራዊ መረፃ ነቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ሂቦምዎም፡፡

እቶም ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓን ነናይ ሃገራት ተወከልቲን ብግደኦም፥ መተሓሳሰቢ ኢዩ ኣብ ዝበሉዎ ጉዳይ ገለፃ ስለዝተገበረሎም ኣመስጊኖም፡፡

ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ብቕርበትን ብምትብባርን ንምስራሕ ምስምዕመዖም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.