Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንመበል 1 ሺሕን 442 ጊዘ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፆመ ሮሞዳን ብሰዓብቲ እምነት እስምና ፍሉይ ሃይማኖታዊ ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሓደ ወርሒ ፆመ ፀሎት ካብቲ እምነት ወፃእ ምስ ዘለዉ ወገናትና ሓድነትና ብዝበለፀ ንምጥንኻር እወንታዊ ኣጋጣሚ ዝፈጠረ ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

እቶም እወንታዊ ኣጋጣሚታት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተሰናድኡ መርሃ ግብሪታት ኢፍጣር ኣፈላላያትና እንተይሓፀሩና መኣዲ ዝተኻፈልናሉ መድረኻት ናይ ሓድነትና መርኣዪ ኢዮም ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውነት ተኣኻኺብና ሓድነትና ብዝበለፀ ዘማዕብሉን ዘድምቑን መርሃግብሪታት ሃገራዊ መሰረት ነክህልዎም ብዝበለፀ ምስራ ከምዘድሊ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ዓብዪ ሮሞዳን ካብ ሓድነትና ዝቕድሕ ምድግጋፍ፣ መትሕስሳብን ምድግጋፍን ኢትዮጵያዊ መሰረት ንክቕፅል ሓደራ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.