Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንዝገብሮ ስራሕቲ እግሪ ምትካል ኣድላዪ ደገፍ ከንገብር ኢና-ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብኲናት ንዝዓነዉ ከባቢታት ኣብ ዝገብሮ ስራሕቲ እግሪ ምትካል ኣድላዪ ደገፍ ከንገብር ኢና ክብል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኤቺም ስታይነር ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብሪሆም።

መንግስቲ እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ዝሓዞ ቁርፀኛ ቅዋም ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እግሪ ምትካል፣ ምቕራብ ሰብኣዊ ደገፍን ምንጋስ ተሓታትነትን ዝብሉ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት ብምቕማጥ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ እውን ተዛሪቦም።

 

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዝነበረትሉን ፅዕንቶ እንትበፅሓን እቲ ትካል ንዘርኣዮ ሓገዝ አመስጊኖም።

ኤቺም ስታይነር ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ብኲናት ንዝዓነዉ ከባቢታት ኣብ ዝገብሮ ስራሕቲ እግሪ ምትካል ኣድላዪ ደገፍ ከንገብር ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.