Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኖርዌይ መዘነኦም ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኢን ማሪ ኤሪክሰን ሶሪድ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ነተን ሚኒስትር መብርሂ ሂቦምወን።

ብተወሳኺ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ብምትሕብባር ንምዕጋት ዘመሓላለፈኦ ውሳነን እናገበረኦ ዝርከባ ምንቅስቓስን ብዝምልከት እውን ገሊፆምለን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኢን ማሪ ኤሪክሰን ሶሪድ ብግደአን፥ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ምትሕብባር ከምዘድሊ ገሊፀን።

ኖርዌይ፥ እቲ ለበዳ ሕማም ንምቁፅፃር ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ውድብ ጥዕና ዓለምን ብቕርበት እናሰርሐት ምዃና እውን ኣብሪሀን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣባል ሃገራት ኖርዲክ ዝርገሐ ኮቢድ-19 ንምዕጋት እናሰርሐኦ ዝርከባ ሓበራዊ ስራሕቲ ዝምልከት መብርሂ ምሃበን ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ኖርዌይን ተሓጋጊዘን ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.