Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጄምስ ሞርጋን ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ጄምስ ሞርጋን ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ደቡብ ሱዳን ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ኣብ ዝኾነ ይኹን ተግባር ኢዳ ኣይተእቱን።

ሎሚ ቅነ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተቓልሐን መንግስቲ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ደቡብ ሱዳን ወታደራዊ ከጠና ኮይኑ ዘገልግል ቦታ ንመሃብ ምስ ግብፂ ተስማዕሚዓ ዝብል ወረ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ነቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ መንግስቶም መግለፂ ከምዘውፀአን እቲ መግለፂ ድማ ኣብ ጁባ ንዝርከቡ ዓለም ለኸ ትካላት ንኽባፃሕ ከምዝተገበረን ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤምባሲ ሱዳን እውን ኣብዚ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምዕዳም ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም።

ደቡብ ሱዳን ከም ሃገር ባዕላ ንኽትክእልን ዝማዕበለትን ከምኡ እውን ተረባሕነት ህዝባ ዘረጋገፀት ሃገር ንኽትከውን ሓገዝ ኢትዮጵያ ዝዓዘዘ ምዃኑ እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።
ህዝቢታት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሃገራት ዝነብሩን ብዙሓት ነገራት ዝካፈሉ ህዝብታት ኢዮም ኢሎም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ፈተውታ ብዝግባ ከምትፈልጥ ብምግላፅ ኣብዚ ሰሙን ብማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተቓለልሐ ሓበሬታ ትኽክል ኢዩ ኢላ ከምዘይወሰደቶ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘላዋ ርክብ ፍሉይ ዋጋ ከምትህበሉ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ሩባ ኣባይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኩለን ላዕለዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ብማዕርነት ናይ ምጥቃም መሰል ስለዘለወን፥ ደቡብ ሱዳን ንኢትዮጰያ ትቃወመሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ከምዘይህልዋ ኢትዮጵያ ትግንዘብ ኢያ ኢሎም ኣይተ ገዱ።

ደቡብ ሱዳን ዝተረጋገአትን ረብሓ ህዝባ ዝተረጋገፀን ሃገር ንኽትከውን ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.