Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ።

እቲ ትካል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ ወሰኽ ቁፅሪ ዓማዊል ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ኣብዝሓ ክልላትን ኣዲስ ኣበባን ብፍላይ ኣብ ካርድ ቅድመ ክፍሊት ዓማዊል ኣብ ነዊሕ ሪጋ ተሰሊፎም ምርኣይ ይበራኸት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኣብዝሓ ዓማዊል እቲ ዘለዎም ካርዲታት ሒሳብ ከምዘለዎ እናፈለጡ፥ እቲ ትካል ዝህቦ ኣገልግሎት ከቋርፅ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ፍርሒ ቀዲሞም ንምምላእ ይስለፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ብመንፅር እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ እንትረአ እቲ ዝርአ ሰልፊታት ቫይረስኮሮና ንኽጋፋሕ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ካርድ ምሙላእ ሓዊሱ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.