Fana: At a Speed of Life!

ኣፈላላይ ሃይማኖት ሓፁር ኮይኑና ኣይፈልጥን ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ትማሊ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ዓብዪ ኢፍጣር ጎደና ብሰላም ንኽጠናቐቕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊነን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ መልእኽቲ ምስጋናአን፥ “ኣፈላላይ ሃይማኖት ሓፁር ኮይኑና ኣይፈልጥን” ኢለን።

ንሕና ኢትዮጵያዊያን ከም ቀደም ሓደ ኮይንና ተዋሂድና ዝነበርና፣ ብሓድነት ዝተዋደቕና፣ ሕማቕን ፅቡቕን ዝተኻፈልና፣ ሃገርና ብዓቕምና ዘፅናዕና፣ ኣፈላላይና ብጥበብ ዝሰኸነ መንፈስ ሒዝና ምንባር እንፈልጥ ነደንቕ ህዝብታት ኢና ኢለን።

“ሃይማኖታትና ፍልፍል ኩሎም ሰናይ ተግባራትና እዮም፤ ሰብ ዋና ቅንዕና፣ ትሕትና፣ ምክብባር ሓቢርካ ምንባርን ኢና” ክብላ እውን ገሊፀን።

እቶም ውቁባት ፀጋታትና ብኢትዮጵያዊነት ፀጋ ክዕጀቡ ከለዉ ድማ መድመቒ ቀላፅምና እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ “ሕብረትና አፀቢቕና ንደሊ ህዝብታት ኢና። እዚ ዘገርም ፀጋ ከይድብዝዝ ሎሚ ኩላትና ዓብዪ ሓላፍነት ኣለና” ኢለን።

“ስለዚ ወገናተይ ፈተናታትናን ፈተንትን ኣብ ከይዲ ይመፁን ይኸዱን፤ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ግን ፀኒዖም ዘመናት ይሳገሩ እዮምሞ እዚ እዋን ደው ኢልና ክንሓስቦ ይግባእ። ካብ ስምዒት ወፂና ብዝተረጋገዐ መንፈስ የማንን ፀጋምን ተመልኪትና ንሳገር። ንሰላምናን ሓድነትናን ንተሓባበር” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ዝበልፀና ፍቕርና እዩ፤ ዘጥዕመልና ሓድነትና እዩ፤ ዝሰምረልና ብሓባር ምንባርና እዩ ብምባል፥ ዘጣዕሰና ተግባር ንዘይምግባር ብሓባር ደው ንበል ኢለን ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መልእኽተን።

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ጎደና ኢፍጣር ብሰላም ንኽጠናቐቕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ኩሎም ምምሕዳር እታ ከተማ ብስም ነበርታ ዝለዓለ ምስጋና ምቕራቦምካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.