Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ሕብረት ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዙሓት ተግባራት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምዕጋት ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እናገበረ ምዃኑ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት (ሲዲሲ) ኮሚሽን ሕብረት ኣፍርካ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ስግኣት ዓልም ኮይኑ ብዝርከብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ ህይወት 16 ሰባት ከምዝቐንፀለን ልዕሊ 640 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን ዕላዊ ገይሩ።

ዳይሬክተር ሲዲሲ ኣብ ኣፍሪካ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሶንግ ከምዝበሉዎ፥ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 200 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ልዕሊ 640 ዝኾኑ ኣብ 34 ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከቡ ኢዮም።

210 ሰባት ኣብ ግብፂ፣ 116 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ 72 ኣልጀሪያ፣ 54 ሞሮኮ፣ 36 ኣብ ሴኔጋል በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ቁፅሪ ዝሓዛ ሃገራት ኢየን።

ብዛዕባ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ብዝምልከት ድማ ኣብ ኣልጀሪያ፣ ግብፂ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ናይጄሪያ፣ ሴኔጋልን ካሜሩንን ብሓፈሻ 16 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዕላዊ ገይሮም።
ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ክትትል ሕክምና ኣናገበሩ ዝነበሩ 41 ሰባት ካፍቲ ሕማም ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ እውን እቶም ጋይሬክተር ተዛሪቦም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ብኣባል ሃገራት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ሕማም ልውውጥ እዋናዊ ሓበሬታ እናገበረ ከምዝርከብን ኣብተን ሃገራት ንዝርከቡ ግብሪ ሓይሊ ፀረ ቫይረስ ኮሮና ሓገዝ እናገበረ ምዃኑን ኣብሪሆም።

ሲዲሲ ኣፍሪካ፥ ልዕሊ 6 ሺሕ ሰባት ንምርመር ዝሕግዙ መሳርሒታት ምክፍፋሉ፣ 41 ሃገራት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ምዕባየን፣ ቀረብ መመርመሪ መሳርሒ (ኪት) ከማልኣ ምኽኣለንን እቲ ማእኸል ድማ ተወሰኽቲ መመርመሪ መሳርሒታት ዕድጊት ብምፍፃም ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ከምዘከፋፍልን ገሊፆም።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፥ ካብ ሲዲሲ ብተወሳኺ ከም ቻይና ዝበላ ሃገራት ሓገዝ እናገበራ ምዃነን እውን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ቻይና ክሳብ ሕዚ 2 ሺሕ ቫይረስ ኮሮና መመርመሪ መሳርሒ ንሲዲሲ ዘወፈየን እቲ ሕማም ኣብ ምዕጋት ዘለዋ ልምዲ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ዝተሓገዘ ኣመራርሓ ስራሕ ፍልጠት ምግባራን ገሊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ መግለፂኦም፥ ኢድ ብማይን ሳሙናን ብምሕፃብ፣ ምስ ሰባት ዘሎ ምቅርራብ ብምንካይ፣ ምልክታት እቲ ሕማም እንትረኣዩ ድማ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድን ኣድለዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእን ፀዊዖም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.