Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ኣብ ማእኸል ብርቱዕ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና ምህላዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ከቢድ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና ከምዘላን ሓያለ ብልቃጣት ክታበት ከምዘድልያን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ኣብ መላእ ኣፍሪካ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 5 ሚልየን ክሓለፍ እንከሎ፥ ብውሕዱ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ኢደን ዝነበረ ክታበት ወዲአን ሕፅረት ክታበት ኣጋጢምወን ምህላዉ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ዞባዊት ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ማቲሽዲሶ ሞኦቱ፥ ኣፍሪካ ሚልየናት ክታበት ሐዚ የድልያ ኣሎ ኢለን።

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ኢትዮጵያን ግብፅን ብቕደም ሰዓብ እተን ዝበዝሐ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ዘለወን ሃገራት እየን ተባሂሉ።

ኡጋንዳን ናሚብያን በዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና እተን ኣዝየን ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት እንትኾና፥ መዓልታዊ ዓሰርተታት ሰባት ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ዝሞቱለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መላእ ኣፍሪካ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 136 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይግለፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.