Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ትስእን – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፍሪካ ግብሪ ብምጭብርባርን ብስርቂን በቢዓመቱ 89 ቢሊየን ዶላር ከምትስእን መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ኣፍሪካ በቢዓመቱ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንልምዓት ካብ ትቕበሎ ሓገዝ ዝዛየደ ከምዝኾነ ኢዩ እቲ ፀብፃብ ዝገለፀ።

ትማሊ ዕላዊ ዝኾነ 248 ገፅ ዘለዎ ፀብፃብ እንትኸውን፥ እቲ ዝተፈፀመ ምጭብርባር ግብሪን ስርቂን ቀዲሙ ካብ ዝተሃቀነ ዝበለፀ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ዝተፈፀመ ስርቂ ፍርቂ ዝኸውን ብንግዲ ወፃኢ፣ ወርቂ፣ ኣልማዝን ፕላቲንየምን ከምዝኾነ ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

ለያቡ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝረኸቡዎ ከስቢ ኣብ ዝሓብኡሉ እዋን፤ መኽዚንን ትሕዝቶ ግብሪን ሸርፊ ወፃኢ ዓበይቲ ሃገራት ብልዑል ብርኪ ከምዝጎድእ እውን ተገሊፁ።

ሴክሬታሪ ጀነራል ጉዳያት ንግዲን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሙክሂሳ ኪትዪ ከምዝበሉዎ፥ ዘይሕጋዊ ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ንኣፍሪካውያን እናመዝመዘ ይርከብ።

እዚ ድማ ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ትካላት እምነት ከምዘስእን ከምኡ እውን ኣብ ግልፅነትን ተሓታትነትን ስግኣት ከምዘንፃላለወሉ ኣገንዚበን።

ኣብቲ ትካል በዓል ሞያ ምርመርን ፖሊስን ጉዳት ኣፍሪካ ዝኾኑ ጁኒየር ዳቪስ፥ እቲ ፀብፃብ ሓበሬታት ኣብ ምፅራሕ ክፍተት ከምዘነበሮ እውን ገሊፆም።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.