Fana: At a Speed of Life!

ኣፕል ምስ ሳትላይት ምርኻብ ዘኽእል ኣይፎን 14 ኣላልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፕል ብህፁፅ ምስ ሳተላይት ክራኸብን ሓደጋ መኪና ከለልን ዝኽእል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ ኣይፎን 14 ብወግዒ ኣላልዩ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቀንዲ መደበሩ ኩፐርቲኖ ኣብ ዘካየዶ ፅምብል፥ ምዝርጋሕ ኣርባዕተ ዓይነት ኣይፎን 14 ኣፋሊጡ።

ኩባንያ ኣፕል፥ ንስፖርተኛታት ዝኸውን ኣልትራ ዝተበሃለ ሰዓት’ውን ወግዓዊ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

እቲ ፅምብል ኣብ ፍርያት ሞባይላት ሓድሽ ወለዶ ኣይፎን፥ ሰዓትን መስምዒ ኤየርፖድን ዘተኮረ እዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ኣይፎን 14ን ኣይፎን 14 ፕላስን ንዕዳጋ ከም ዝቐርቡ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

እዘን ሓደሽቲ ሞባይላት ኣይፎን ፃውዒት (ደወል) ግዜ ሓደጋ ብሳትላይት ክልእኻ ዝኽእላ እየን።

ብተወሳኺ ዝሓልፉ ሳተላይታት ኣበይ ከም ዘለዉ ዘርእያ ኰይነን፥ ኣብቶም ሳተላይታት ብኸመይ ብትኽክል ምሕባር ከም ዝከኣል ዘርኢ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመለን እየን።

መልእኽቲ ንምልኣኽ ድማ ካብ 15 ካልኢት ክሳብ ሒደት ደቓይቕ ጥራሕ እዩ ዝወስደለን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.