Fana: At a Speed of Life!

ኤለን መስክ ንኩባኒያ ትዊተር ብ44 ቢሊየን ዶላር ዓዲጎምዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኣፍሪካዊ በዓል ሃፍቲ ኤለን መስክ ንኩባኒያ ትዊተር ብ44 ቢሊየን ዶላር ዓዲጎምዎ።

ቁፅሪ ሓደ በዓል ሃፍቲ ዓለም ኤለን መስክ፥ ንኣዋርሕ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ከይዲ ዕድጊት ትዊተር ብዳይሬክተራት ቦርድ ሰብ ኣክሲዮን ዘቕረቡዎ 44 ቢሊየን ዶላር ተቐባልነት ረኺቡ እቶም በዓል ሃፍቲ ናይ ውልቆም ክገበሩ ክኢሎም፡፡

እቶም በዓል ሃፍቲ ነቲ ዕድጊት ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ ብናፅነት ሓሳብ ምግላፅ መሰረት ዴሞክራሲ ኢዩ፤ ትዊተር ድማ ንደቂ ሰባት መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም ወሰንቲ ሓሳባት ዝንሸራሸሩሉ ኣደባባይ ዲጂታል ከተማ ኢዩ” ኢሎም።

“ብሓደሽቲ መተግበሪታት ብምምሕያሽን ተኣማኒነት ንኽህልዎ ብምግባርን ንትዊተር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንምዝማን ክሰርሕ ኢየ” ኢሎም ኤለን መስክ፡፡

ኤለን መስክ መሃዚን ወናኒን ኤሌክትሪክ ተሸከርከርቲ ቴስላን ስፔስ ኤክስ ህዋ ታክሲን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.