Fana: At a Speed of Life!

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ’ኢታልያ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ዓስራይ መድረኽ  ጂሮ ዲ’ኢታልያ ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ።

እቲ ወዲ 22 ዓመት ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሎሚ መዓልቲ ካብ  ፐስካራ ናብ ጀሲ ኣብ ዝተኻየደ 195 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ብሽክለታ ጂሮ ዲ’ኢታልያ ብዘደንቕ ኩነታት ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፥ ነቲ ውድድር ብ4 ሰዓት 32 ደቒቕን 7 ሰከንድን ከምዝዛዘሞ ድማ ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ዘይእመን ኢዩ በዚ ድማ ኣዝየ ሕጉስ ኢየ” ኢሉ።

“ጋንታይ ንዝገበሩለይ ምትሕብባር መግለፂ ቃላት ኣይብለይን” ብምባል ድማ ንኣባላት ጋንትኡ ዘለዎ ናእዳ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.