Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እንዳ ልኳንዳ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሕፅረት ቀረብ ስጋ ከየጋጥም ምድላው ምግባሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እንዳ ልኳንዳ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ሕፅረት ቀረብ ስጋ ከየጋጥም ምድላው ክዝተገበረ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ዝመፅኡ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓታት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲን ልዕሊ 200 ምስ ዝኾኑ ሰብ ዋና እንዳ ልኳንዳን ዘተ ኣሳሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ውብነህ እምሩ፥ ኣብ ዝቕፅል በዓል ልደት ሕፅረት ቀረብ ስጋ ከይፍጠር ምስ ዩኒየናት ሕብረት ስራሕ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በተን ዩኒናት ኣቢሉ ንሕርዲ ዝኾኑ ሰንጋታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንእንዳ ልኳንዳ ከምዘቕርብ እውን ገሊጾም።

ኣብቲ ኤጀንሲ ዳይሬክተር ዕድጊት ወይዘሮ ደብሪቱ ለኣለም ብግደአን፥ እንዳ ልኳንዳታት ንሕብረተሰብ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንኽህቡ ኣድላዪ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣብ እዋን በዓላት ዝፍጠር ምጭንናቕ ንምንካይ እውን ቅድመ ስራሕቲ ካብ ስሩዕ ሰዓት ወፃእ ከምዝስርሑ ገሊፀን።

እንዳ ልኳንዳታት ንሰራሕተኛታቶም እኹል ዝኾነ ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና እታወት ንኸዳልዉ ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።

ሕብረተሰብ ናብ እንዳ ልኳንዳ ኣብ ዝኸደሊሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ሓዊሱ ካልኦት መምርሒታት ጥንቃቐ ተግባራዊ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.