Fana: At a Speed of Life!

“ኤፍ.ቢ.ኣይ” ኣብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ሃንደበታዊ ፍተሻ ከምዝገበረ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ምርመራ ኣሜሪካ (ኤፍ ቢ ኣይ)ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃንደበታዊ ፍተሻ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ኣካላት ፍትሒ ክሳብ ሕዚ ነቲ ሃብደበታዊ ፍተሻ ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ርኢቶ የለን ተባሂሉ፡፡

እቲ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ዶናልድ ትራምፕ ዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሻ÷ ካብ ዋይት ሃውስ ሒዞምዎም ወፂኦም ምስ ዝተብሃሉ ምስጢራዊ ሰነዳት ተተሓሒዙ ክኸውን ከምዝኽእል ሓበሬታታታት ይሕብሩ፡፡

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝሓበሩዎ÷ “እዞም እዋናት ንሃገርና ናይ ፀልማት እዋናት ኢዮም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፍሎሪዳ ጠረፍ ባሕሪ ፓልም ዝርከብ መንበሪ ገዛይ ማር-ኤ ላጎ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብዙሓት ናይ ኤፍ ቢ ኣይ ሰባት ውዒሉ ኣሎ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

“ከምዚ ዝበለ ነገር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ትራምፕ እቲ ብርበራ ሃንደበት ከምዝኾምን ናይ ኤፍ ቢ ኣይ ሰባት ካዝነኦም እንተይተረፈ ሰቢሮም ከምዝፈተሸዎ ተዛሪቦም፡፡

ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ኣብ 2024 ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ከምዝወዳደሩ ምግላፆም ስዒቡ ከምዝኾ እቶም ነበር ፕሬዚዳንትን በዓል ሃፍቲን ገሊፆም ክብሉ ኣርቲን ዘ ኒው ዮርክ ታይምስን ፀብፂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.