Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ መንበሪ ኮማንደራትን ክልተ ድፋዓትን ሃማስ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈነወት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ መንበሪ ኮማንደራትን ክልተ ድፋዓትን ሃማስ መጥቃዕቲ  ኣየር ከምዝፈነወት ተሓቢሩ።

እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ምፍናዋ ስዒቡ ወታደራት ሃማስን ካልኦት ዕጡቓትን ብደርዘን ዝቑፀሩ ሚሳኤላት ናብ እስራኤል ዝተኮሱ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቐነየ ወጥሪ ከበኣእሶ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እስራኤል ኣብ ሃማስ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኮማንደራት ዝፈነወቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፥ ህፃናት ዝርከቡዎም 24 ፍልስጥኤማውያን ሞይቶም ኢዮም።

እቲ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ  ካብ ዝሞቱ  ሰባት እቶም ትሽዓተ ህፃናት ከምዝኾኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊፆም።

ወታደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብግድኡ እቶም 15 ሰባት ወታደራት ከምዝኾኑ እንትገልፅ፥ ብተመሳሳሊ ወታደራት ጋዛ ብዝተኮሱዎም ንፁሃን እስራእየላውያን ከምዝተጎድኡ ተሓቢሩ።

ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፀፅታ እስራኤልን ፍልስጥኤን እናተጋደደ ብዝመፅአ ጎንፂ ኣብ ኢየሩሳሌም ዌስት ባንክን ዘሎ ጎንፂ ምብእኣሱ ስዒቡ ልዕሊ 700 ዝኾኑ ዜጋታት ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ።

ፍልፍል፦ ኣሶሺየትድ ፕሬስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.