Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት ጋዛ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ዓበይቲ ባላንቺናታት ዝተፃወደ ተባራዒ ነገራት ናብ ዶባተይ ተፈንዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ናይ ሓማስ ናይ ኣየር ደብዳብ ኣካይዳ።

ረቡዕ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ቃዛ ብርቱዕ ናይ ባርዕ ድምጺ ተሰሚዑ።

ብሰሉስ፡ ብዙሓት ተባራዒ ዝጸዓና ባላንቺናታት ካብ ቃዛ ናብ ወገን እስራኤል ከምዝተፈነዋን ከምውጽኢቱ ብዙሕ ቶኵሲ ከምዝነበረን ቤት ጽሕፈት ኣጥፋእቲ ሓዊ እስራኤል ሓቢሩ።

እስራኤልን ሓማስን 21 ግንቦት ተጻብኦታት ደው ንምባል ካብ ዝሰማምዑ እዚ ናይ ሎምን ናይ ትማልን ደምጺ ቶኵሲ ንምጀመርታ ግዜ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ቶኵሲ ደው ከብሉ 21 ግንቦት ምስምምዖም ን11 መዓልታት ብርቱዕ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.