Fana: At a Speed of Life!

እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18  ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ናይ ምክልኻል ዕላማ ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ገንዘብ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ምስ ፍራንስ 24 ፃንሒት ገይሮም።

ጁንታ ህወሓት መጥቃዕቲ ምጥፋእ ዘርኢ ይፍፅም ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያ ንባዕላ ናይ ምክልኻልን ግዝኣት ሓድነታ ናይ ምሕላውን መሰል ኣለዋ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ልኡላውነት ሃገር ንምሕላው ዝግበር ሕጋዊ ወፍሪ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ወፍሪ ዘቤታዊ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሕመድ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ትካላት ደሕንነትን እቲ ወፍሪ ንምፍፃም እኹል ዓቕሚ ኣለዎም ኢዩ እውን ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ኣቕርቦ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምዃን ብዝለዓለ ኩነታት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ወፍሪ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ መላእ ከባቢታት ክልል ትግራይ ሕጊን ስርዓትን ንምሕላውን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

እቲ ዝግበር ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘም እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.