Fana: At a Speed of Life!

እቶት ውሽጢ ዓዲ መንግስቲ ፌዴራል ብ28 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ወሲኹ – ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እቶት ውሽጢ ዓዲ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣፈፃፅማ እንትነፃፀር ብ28 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድን ካቢኔኦምን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ኣብቲ መድረኽ ብዝተሰርሑ ዝነኣዱ ስራሕቲ ሓፈሻዊ ኣታዊ መንግስቲ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ28 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መንፈቕ ዓመት 172 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ ካብ ታክስን ታክስ ዘይኮኑን እቶታት 222 ቢሊየን ብር ምዕዋት ከምዝተኸኣለን እቲ ኣታዊ ድማ ካብ ዝተተለመ ንላዕሊ ምፍፃም ከምዝተኸኣለን ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.