Fana: At a Speed of Life!

እኒ ጃዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባን ሃምዛ ኣዳነን ሓዊሱ 18 ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ክሲ ተመስሪቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እኒ ጃዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባን ሃምዛ ኣዳነን ሓዊሱ 18 ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ክሲ ተመስሪቱዎም።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ግብረ ራዕዲን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ብምቕራብ እቲ ክሲ ተዋሂቡዎም።

እቲ ቤት ፍርዲ ማንነቶም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ዝሰርሐ እንትኸውን፥ ኣይተ ጃዋር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ምዃኖምን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓ ከምዝኾኑን ከምኡውን ብ“ሂዩማን ራይት” ማስተርስ ዲግሪ ከምዘለዎም፣ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾኑ ኣመዝጊቦም።

ኣይተ በቀለ ገርባ እውን ነባሪ ከፍለ ከተማ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ምዃኖም፤ መምህርን ዕድሚኦም 60 ከምዝኾኑን ከምኡ ውን በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ቆልዑትን ምዃኖም ኣመዝጊቦም።

እቶም ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ብተመሳሳሊ ኣመዝጊቦም።

ካብ ምክትል ኢንስፔክተር ክሳብ ሓለቓ ሓምሳ ብርኪ መዓርግ ዘለዎም 6 ውልቀሰባት መዓርጎም ኣብቲ ክሲ ብዘይምክታቱ ንክምዝገብ ገይሮም።

ብኻሊእ ክሲ ተመስሪቱዎም ኣብ ቤት ህንፀት ዘለዉ ኣይተ ደጀኔ ጣፋን መስተዋርድ ተማምን ኣብቲ መጋባእያ ኣይቀረቡን።

ከምኡውን ኣይተ ደጀኔ ጉተማ፣ ብርሃነ መስቀል ኣበበ፣ ፀጋዬ ኣራርሳ ናብቲ መጋባእያ ዘይቀረቡ እንትኾኑ፥ ናብቲ መጋባእያ ዝተፀወዐ ተወካሊ ኦ.ኦም.ኤን ዝኾነ “ኣነ ኢየ” ኢሉ ዘመዝገበ ሰብ ‘ውን የለን።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ከከምተሳትፈኦም 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 240 ብምትሕልላፍ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ጎንፂ ሕድሕድ ብምውላዕ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካሊእ ንክለዓል ብምግባር፣ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012፤ ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ኣዋጅ ቁፅሪ 761/2004ን ኣዋጅ ቁፅፅር ምምሕዳር መሳርሒ ኣፅዋር ኲናት ቁፅሪ 1177/2012 ብምትሕልላፍ ዝፈፀምዎ ገበን ኢዩ 6 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ መጋባእያ ብመዝገብ ቁፅሪ 260215 ዝኸፈቶ ክሲ 10 ተደራራቢ ክሲታት ዝሓዘ ኢዩ ኣኽፊቱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.