Fana: At a Speed of Life!

እናተረኣየ ዝርከብ ምዝጋዕ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንኽውስኽ ገይሩዎ ኢዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ሕብረተሰብ ብምኽንያት ዝረአ ዘሎ ምዝንጋዕ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ19 እናወሰኸ ምምፅኡ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዝርገሐ ኮቪድ19 ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡

ኣብ መግለፂአን ድማ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ ብቕልጡፍ እናወሰኸ ምምፅኡ ተዛሪበን፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ዘሓለፉ 10 መዓልቲታት ጥራሕ 120 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ቁፅሪ ፅኑዕ ሕሙማት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሕፅት ማእኸል ሕክምና ከምዘጋጠመ ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር፥ ሕብረተሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብግቡእ ክገብርን ኣካላት ሕጊ እውን ቁፅፅር ክገብሩ ፀዊዐን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.