Fana: At a Speed of Life!

እንተተማሪኽና እውን ብጁንታ ህወሓት ዘይኮነስ ብኢትዮጵያውያንን ኢትዮጵያዊነትን ኢዩ – ሌ/ጄ ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዛዚሙ ንህዝቢ ናብ ምርግጋእን ናብ መንበሪኡ ምምላስን ከምዝጀመረ ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ኣፍሊጦም።

ኣዛዚ ግምባር ራያ ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፥ ብዛዕባ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

እቶም ኣዛዚ ኣብ መግለፂኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሳልሳይ ምዕራፍ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዛዚሙ ብምኽንያት ስግኣት ድሕንነት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝነበሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ ምምላስ ከምዝተሰጋገረ ኣብሪሆም።

እቲ ሰራዊት ስግኣት ፀፅታ ኣብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ዝነበሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክፍፅሞም ዝኽእሉ መጥቃዕቲታት ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ ኢሎም።

ትማሊ ኣባላት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ “ንሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ማሪኽናዮ” ዝብሉ ሓበሬታታት እናነዝሑ ከምዝነበረ ኣብ መግለፂኦም ዝሓበሩ እቶም ሌተናል ጄነራል፥ እናሃደመ ዝርከብ ጉጅለ ዝኾነ ይኹን ዓቕሚ ምምራኽ ከምዘይብሉ ገሊፆም።

እንተተማሪኽና እውን ብጁንታ ህወሓት ዘይኮነስ ብኢትዮጵያውያንን ኢትዮጵያዊነትን ኢዩ ዝበሉ እንትኾኑ፥ ምስ ምክትል ኢታማዡር ሹም ሌተናል ጀነራል ኣበባው ታደሰ ብሓባር ኮይኖም መግለፂ ከምዝህቡ እውን ሓቢሮም።

ኣባላት እቲ ጁንታ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝግበሩ ስራሕቲ ከምዝቕፅሉ እውን ኣፍሊጦም።

ብፋሲካው ታደሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.