Fana: At a Speed of Life!

እንግሊዝ ካብ ታንዛኒያን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ካብ ታንዛኒያን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ናብታ ሃገር ከየኣትዉ እገዳ ኣንቢራ።

እቲ እገዳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ሓዱሽ ለበዳ ኮቪድ-19 ከይስፋሕፈሕ ብምሕሳብ ዝተነበረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

በዚ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ካብ ታንዛኒያን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ተጓዓዝቲ ምእጋዳ ፀሓፊ ሚኒስቴር ትራንስፖርት እታ ሃገር ግራንት ሻፕስ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ካብ ካልኦት 11 ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ዝመፅኡ ተሳፈርቲ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናብ እንግሊዝ ከየኣትዉ ከምዝተኣገዱ ተሓቢሩ፡፡

ማእኸል ምክልኻል ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፥ መጠን ሞት ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘሎ 2 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ኢሉ 2 ነጥቢ 5 ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ድማ ካብ ሞንጎ 21 ሃገራት ኣፍሪካ መጠን ሞት ልዕሊ 3 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.