Fana: At a Speed of Life!

እኩይ ዕላማ እቲ ጁንታ ኣብ ምፍሻል ከይዲ ሓይሊ ኣየር ምንቅስቓስ ሓይሊ ምድሪ ኣብ ምስላጥ ዝለዓለ ብፅሒት ተዋፂኡ ኢዩ – ሜ/ጀ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌ.ዴ.ሪ ኢ ሜጀር ጄነራል ይልማ መርዳሳ፤ እኩይ ዕላማ እቲ ጁንታ ኣብ ምፍሻል ከይዲ ሓይሊ ኣየር ምንቅስቓስ ሓይሊ ምድሪ ኣብ ምስላጥ ዝለዓለ ብፅሒት ከምዝተዋፀአ ኣፍሊጦም።

ካብ ማእኸል ናብ ጣቢያ መዋፈሪ ዝንቀሳቐስ ሎጂስቲክስን ሓይሊ ሰብን ኣብ እዋኑ ናብ ዝድለ ቦታ ከምዘብፀሐ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ ኣብ ከይዲ ምድምሳስ እቲ ጉጅለ ምንባብን ምውዳድን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ልዑል ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ውጉኣት ኲናት ኣብ እዋኑ ዝሐሸ ግልጋሎት ሕክምና ንኽረኽባ ልዑል ስራሕ ምስርሑ ብምግላፅ፤ ኣፋውስን መሳርሒታት ኣቑሑት ሕክምናን ብቕልጡፍ ናብ ሰራዊት የብፅሕ ከምዝነበረ ምሕባሮም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.