Fana: At a Speed of Life!

እኹል ውሕስና ምግቢ ዘይምህላው ኣብ ዘይእዋን ናይ ሙሟት ዕድል ይውስኽ – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣12 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እኹል ውሕስና ምግቢ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዘይዋኑ ንዝፍጠር ሞት ከምዝቃልዑ ሓደ መፅናዕቲ ገሊፁ።

እቲ መፅናዕቲ ውሕስና ምግቢ ዘይምርግጋፅ ወይ ድማ እኹል መግዝኢ ምግቢ ገንዘብ ዘይምህላው ኣብ ዘይ ዕድመ ንዝፍጠር ሞት ምኽንያት ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ሃገረ ካናዳ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2005 ክሳብ 2017 ኣብ ዘሎ እዋን ዝተኻየደ እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ልዕሊ 510 ሺሕ በፃሓት ዝተሳተፉ ኮይኖም እቶም  25 ሺሕ ሰባት ኣብ ዘይዕደድመኦም ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

እቲ መፅናዕቲ ከምዘረጋገፆ፥ እኹል ምግቢ ምስ ዝረኽቡ ሰባት እንትነፃፀር እቶም ፀገም ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ሰባት ካብ 10 ክሳብ 37 ሚኢታዊ ዝኾኑ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት አቀቐዲሞም ከምዝሞቱ ኢዩ።

ብተመሓላለፍቲ ሕማማት፣ ሃንደበት ብዝፍጠሩ ሓደጋታትን ዓርሰ ቅትለትን ዝበሉ ሓደጋታት እውን ፀገም ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ምስ ካልኦት ሰባት እንትነፃፀሩ ብኽልተ ዕፂፊ ክብ ዝበለ ምዃኑ እቲ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ብስእነት ውሕስና ምግቢ ኣብዘይዕድመኦም ዝሞቱ ሰባት፥ ዘተኣማምን ውሕስና ምግቢ ምስ ዘለዎም ሰባት እንትነፃፀር ብትሽዓተ ዓመት ቀዲሞም ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ዩ ፒ ኣይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.